ዘርአዳዊት ዘ-ኢትዮጵያ
አብታ ናይ ሃገረ እግዚአብሔር ኢትዮጵያ ቅድስና ዘረጋግጻ ቅዱሳት ከተማታት ዝኮነት ከተማ አክሱም መንበሪት ታቦተ ጽዮን አለኩ።አብ ናይ ማሕበራዊ ርክባት መፍጠርቲ አብ ዝኮነ ድረ-ገጽ መጽሓፈ ገጽ (facebook) ድማ ናይ አግአዝያን ዝተሰመየ ማህበር
ምምስራትን እንቅስቃሴኡ
ብዉዑይ መንገዲ መዛተይ ኮይኑ ሪኤ እዚ ንምጽሓፍ ወሲነ።ብዝዕባ ምንቅስቃስ ማሕበር አግአዝያን ቅድሚ አዋርሕ ዋላ እኳ ዝተጀመረ እንተኮነ ተራን ዝተለመደን ናይ ኩሉሻብ ናይ ፖለቲከኛታት ዕግርግር ኮይኑ ድሕሪ ግዜ ከም ዝጠፍእ ሓሲበ ነይረ።ኮይኑ ግን እዚ ፖለቲካ መሰረት ዝገበረን ሓቀኛ ኢትዮጵያዊነት ንምጥፋእ ዝተጀመረ እንቅስቃሴ ምኳኑ ግን ንዓይ ግልጺ እዩ ነይሩ።
ሃገረ እግዚአብሔር ኢትዮጵያን ህዝብታን ( ወዲ ሰብ ኩሉ ኢትዮጵያዊ እዩ።ኮይኑ ግን አብቲ ቦታ ሐዚ ንዝነብሩ ሕዝብታት ግን ትኩረት ይወሃቦ) ናይ እግዚአብሔር ብዓል ቃል ኪዳናት ስለ ዝኮኑ ዝተፈላለዩ መልክዕ ዝሓዙ ሴራታት ዲያብሎስ እናተፈጸሞም መጺኡዩ ሐዚውን ፖለቲከኛታት ኢና ብዝብሉ ቁራጻት ድያብሎስ ደቁ እናተፈጸሞ እዩ።
ዝገርም ነገር ናይ ሐዚ አግአዛውያን ምንቅስቃስ ብፖለቲከኛታት ካብ ዝተደፈነ ዝመስል ህያው ኢትዮጵያዊነት ጋህዲ ዘውጸአ እዩ።አብ ክፋል ሃገር ኤርትራ (ኢትዮጵያ) ዝነብሩ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ምስ አብ ክፍል ሃገር ትግራይ ዝርከቡ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ሓድነት ንምፍጣር ምፍታኖም ኢትዮጵያዊነት ሰባት ዋላ እንተከሓድዎ ክጠፍእ ዘይክእል ምኳኒ ግልጺ ዝኮነ መረጋገጺ እዩ።
ዝገርም ነገር ናይ ሐዚ አግአዛውያን ምንቅስቃስ ብፖለቲከኛታት ካብ ዝተደፈነ ዝመስል ህያው ኢትዮጵያዊነት ጋህዲ ዘውጸ አ እዩ።አብ ክፋል ሃገር ኤርትራ (ኢትዮጵያ) ዝነብሩ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ምስ አብ ክፍል ሃገር ትግራይ ዝርከቡ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ሓድነት ንምፍጣር ምፍታኖም ኢትዮጵያዊነት ሰባት ዋላ እንተከሓድዎ ክጠፍእ ዘይክእል ምኳኒ ግልጺ ዝኮነ መረጋገጺ እዩ።
፩.ዐምሓራ=አግአዝያን=ኢትዮጵያውያን እንታይ እዮም?
ናይ ሐዚ ወለዶ ፖለቲከኛታይ(ሓሰውቲ) ብዝረጨዉሉ መርዚ ብብሔር ተከፊሉ ጸላኢኡ ፖለቲከኛታት እነሃለዉ ካሊእ ጸላኢ ፈጢረሙሉ መንፈሳዊነቱ ቀቲሎም ብዛዕባ ስጋ ክሓስብን ከምኡ ካብ አዳምን ሄዋንን ዝተፈጠሩ ሰባት እጸልእን ነንዓርሱ ክቃተልን ብዝደገስሉ ድግስ ዋና ዕዱምን ተሳታፍን ኮይኑ ይርከብ።
ኢትዮጵያዊነት መንፈሳዊነት እዩ።ናይ እግዚአብሔር ቃል ኪዳን ዘለዎ ብዓል ሓደራ እዩ።ኢትዮጵያዊ ነጻ ህዝቢ እዩ።ካብ ዲያብሎስ መግዛእትን ባርነትን ነጻ ዝኮነ ንእግዚአብሔር ጥራሕ ዘምልክ።ዐምሓራ ታይ ማለት እዩ ፧ አግአዝያንከ፧ ዐምሓራ ዝብል ቃል ካብ ክልተ ናይ ግዕዝ ቃላት ዝተጣመረ ኮይኑ ዐም ማለት ህዝቢ ሓራ ማለት ድማ ነጻ (ኢትዮጵያዊ) ማለት እዩ።ኢትዮጵያዊ ማለት ካብ ዲያብሎስ ባርነት ነጻ ዝወጸ ማለት እዩሞ።አግአዝያን ማለት ድማ ብተመሳሳሊ ነጻ ህዝቢ ማለት እዩ።
፪.ብዛዕባ ናይ
አግአዝያን ማህበር መፍለይ ምልክት
(Logo )ታቦት ዝተሸከመ ካህን
ሰይጣን ንከምስል መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝጠቅስ ኩሉ እዚ ኢትዩጵያ ንምብትታን ዝዓለመ ምንቅስቃስ ድማ ሃይማኖታዊ ንምምሳል ፖለቲካዊ ድልየቱ ንምሽፋን ኦሪታዊ መሰረት ዘለዎም ናይ ተዋህዶ ሃይማኖት መፍለዪ ዝኮኑ ምስልታት ብምጥቃም ስልታዊ ዝኮነ መንገዲ መሪጹ አለሞ ንንቃሓሎም።
፫.ምምስሳል ጽዮናዊነትን አግአዝያዊነትን
ናይ ዓለምና መዓልታዊ ዜናታት መራከብቲ ሓፋሽ ብድሕሪቶም ብጽዮናውያን ዝዋደዱ እዮም።ጽዮናዊነት አብ መላእ ዓለም ዝተበተኑ ናይ ሃገረ እስራኤል አይሁዳውያን ናብ ትውልዲ ሃገሮም እስራኤል ንምምላስ ዝንቀሳቀስ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ዝተጀመረ ምንቅስቃስ እዩ።ጽዮናዊነት ናይ ሓቂ አይሁዳውያን ዘይኮኑ ከምቲ አብቲ ቅዱስ መጽሓፈ ናይ ዩሓንስ ራዕይ አይሁዳውያን ከይኮኑ አይሁዳውያን ኢና ዝብሉ ሰባት ክመጹ እዮም ዝበሎም እዚአቶም እውን ናይ ትንቢት መፈጸምቲ ኮይኖም ዝመጹ እዮም።ጽዮናዊነት ሃይማኖታዊ ይምሰል እምበር ብናይ ምሳጥር ማህበራት ወይድማ ናይ ሰይጣን አምለክቲ ሕቡእ ዕላማ መፈጸሚ እዩ።በዚ ምክንያት ድማ እዩ ሓቀኛ ዝኮኑ አይህድውያን ዘይኮኑ ህዝቢ ዝ ሓዛተ ናይ ሐዚ እዋን ሃገረ እስራኤል ፍልስጤማውያን ብምብዳል ግዝ አታ ንምስፍሕፋሕ አብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ግፍዕታት ትፍጽም።ናይ ዲያብሎስ መሕደሪ ዝኮነት ሃገረ አሜሪካ ድማ ናይ እስራኤል ዋና ደጋፊትን ሓብሓቢትን እያ።ናይ ጽዮናዊነት ጽንሰ ሓሳብ ዘሶጉሙ ናይ ሰይጣን አምለክቲ ዝኮኑ ሰባት ዘርእና ካብ ናይ ካሊእ ናይ ዓለም ህዝቢ ዝበለጸ ወይድማ ፍሉይ እዩ ይብሉታ።እዚ ሓሳብ ድማ አግአዛውይነት ጽንሰ ሓሳብ ምስ ዘሰጉሙ ሰባት ሓደ ይገብሮም።
፬.አምላካዊ ሰንደቅ ዕላማ አወጊዱ ስጋዊ ሰንደቅ ዕላማ ዝተከአ ማህበር አግአዝያን
አምላካዊ ሰንደቅ ዕላማ አወጊዱ ስጋዊ ሰንደቅ ዕላማ ዝተከአ ማህበር አግአዝያን
ምድረ ኢትዮጵያ ኩሉ ስርዓታ ካብ እግዚአብሔር ዝተቀበለቶ እዩ።ነገስታታ ድማ እዚ ዘፈጽሙ እዮም ነይሮም።ካብዚአቶም ሓደ ናይ ሃገረ ኢትዮጵያ ሰንደቅ ዕላማ ቅዱስ መጽሓፍ ከም ዝነግረና ካብ አዳም መበል ዓስራይ ትውልዲ ዝነበረ ቅዱስ ኖህ አብ ግዚኡ በዚሑ ብዝነበረ ሓጥያት ምክንያት ብማይ ንሓጥያተኛታት ቀጺዑ እንተጥፍኦም ኖህ ግን ጻዲቅ ብምንባሩ ካብቲ ጥፍአት ብምድሓኑ እግዚአብሔር ብኖህ ናይ ቀስተ ደመና ቀለማት አብ ሰማይ ብምዝርጋሕ ድሕሪ እዚ ጥፍ አት ናይ ኖህ ዘርኢ ብማይ ከምዘየጥፍ ኦም ቃል አቲዉሉ እዩ።ቀስተ ደመና ድማ ናይቲ ቃል ኪዳን ምልክት ነይሩ።
አምላካዊ ሰንደቅ ዓላማ ኢትዮጵያ
ሃገረ ኢትዮጵያ ድማ እዚ ናይ ቃልኪዳን ምልክት ዝኮነ ቀለማት ቆጽለዋይ ብጫን ቀይሕን ብምውሳድ ናይ ሰንደቅ ዓላማ አ ገይራቶ ንዘመናት መጺአ እያ።ኢትይጵያ ናይ እግዚአብሔር ክብሪ ምግላጽ ዋና ስርሓ ብምኳኑ ድማ ናይ መድሓኒትናና ፈጣሪናን ዝኮነ እየሱስ ክርስቶስ ናይ ይሁዳ አንበሳ ምስሉ አብ ማእከል ሰንደቅ ዓላማ ብምውሳክ ብዝበለጽ አክቢራቶ መጺ አ እያ።ህላወ እግዚአብሔር ዝክሕዱን ናይ ሰይጣን መምለክቲ ዝኮኑ ምዕራባውያን ሰይጣናዊ ሓሳብ ዝሰረጾም አብዮታውያን ኢና በሃልቲ ስጋዊ መንግስታት እዚ ናይ ይሁዳ አንበሳ እየሱስ ክርስቶስ ምስሊ ካብ ሰንደቅ ዓላማ ብምውጋድ ሰይጣናዊ ሓሳቦም ዝውክለሎም ምልክት ብምቅማጥ ይጥቀምሉ አለዉ።አግአዛውያን ድማ እዚ ሰይጣናዊ ሓሳብ ብምቅጻል ሙሉእ ብሙሉእ አምላካዊ ዝኮነ ናይ ኢትዮጵያ ሰንደቅ ዓላማ ብምክሓድ ብካሊእ ንምትካእ ይንቀሳቀስ ዘሎ ከፋፋሊ ምንቅስቃስ እዩ።ቅድሚ 42 ዓመታት ጀሚሮም ኢትዮጵያዊነት
ንምጥፋእ ሞኪሮም ዝተሳከዐሎም ዋላ ተመሰለኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊነትን
ንምጥፋእ ዲያብሎስ ህራስ ከምዘይወስዶ ጥርጣሬ የብሉን ኮይኑ ግን ንሓዋሪ ከምዘይሳከዐሉ ድማ ይፈልጥ እዩ።
ኢትዮጵያዊነት ዓብይ ክብሪ እዩ።
ሰኞ 9 ,ጥር 2009 ዓመት ምሕረት አክሱም ከተማ
No comments:
Post a Comment