ዘርአዳዊት ዘ-ኢትዮጵያ
፩፦ህወሓት ብ 1968 ወርሒ የካቲት አብ ዘውፀቶ መግለፂአ (manifiesto) "ነፃ ናይ ትግራይ ሪፐብሊክ" ምምስራት ሓደ ዕላምአ ነይሩ። ድሕሪ ጊዜ ግን ደርጊ ምስተወገደ አብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ቁንጮ ኮይና።
፪፦ህወሓት ናብ በረኻ ዝወፀት አብ ልዕሊ ትግራዋይ ብደርጊ ዝበፅሕ ዝነበረ ግፋዒ ንምውጋድ ምዃኑ ትገልፅ። ኮይኑ ግን ብልሓት ብዝተመልኦ መንገድ ምስ ናይ ደርጊ ግፋዒ ዝመዓራረ ኢሰብአዊ ተግባር አብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ትፋፅም።
፫፦ ብናይ ህወሓት ፍደሳ (propoganda) ዝደንዘዙ ብሔርተኛታት ትግራይ ናይ ኢትዮጵያ ስልጣነ መሰረት እያ ክብሉ ይስምዑ። እዚ ካብ ስስዐን ዓርስካ ምፋታውን ዝብገስ ብነፃ አዕምሮ ነገራት ብዘይ ምምርማር ዝብገስ ፈውሲ አልቦ ሕማም እዮ። ሓቂ እኳ እንተኮነ ነዚ ሓሳብ ዘሰጉሙ ተምሂርና ዝብሉ ዘይተምሓሩ አካላት ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ትገንፀል ናበሉ ከም ከልቢ ናነብሑ ይውዕሉ። ብዓልካ አብ ዝሃነፅካዮ ናይ አቦታትካ ገዛ ደአ ከመይ ጌርካ ራሕሪሕካዮ ክትከይድ ድሌት ይሓድረካ?
፬፦ካድረታት ህወሓት ትግራዋይ ዝተቃለስ ንማዕርነትን ፍትሕን እዮ ክብሉ ይስምዑ፤ ብመርሒነት ህወሓት ዝተፈፀመ ኢሰብአዊ ድርጊትን ወንጀልን ብቀዳምነት ክከላከሉ ትዕዘብ።
አብ ፈለምኡ ዝተሰሓሓተ ርድኢትን ርዕዮተ ዓለምን ሒዙ ዝተልዓለ ፀረ ኢትዮጵያ ድርጅት መንገድ ጥፍአት ምዃኑ አየጠራጥርን። እቲ ዝከፈአ ነገር ንፁሃንን የዋሃትን ተመላሊኡ ክጠፋእ ምዃኑ እዮ።
No comments:
Post a Comment