EAR

አዲስ ነገር

Thursday, 17 February 2022

ትንሳኤ ኢትዮጵያ ቀረባዮሞ ካብ ክሕደት ንጠንቀቅ!


✍  ዘርአዳዊት ዘ-ኢትዮጵያ 

ሕማቕ እምበር ፅቡቕ ዘይሓስቡ ትምኒተ-ፀልማት ዝዓሰሎም ግለሰባት ኣንፃር ኢትዮጵያ ሌይትን ቀትርን እንትሰርሑ ንሪኦም ኣለና። ጥቕሚ ዓዶምን ህልውና ሃገሮምን ኣሕሊፎም ንምሃብ ይራባረቡ ኣለዉ። 

ፈፂሞም ጥዑም ነገር ዘይወፆም ናይ ጥፍኣት ጉጅለ እዮም። ንሃገርና ዘይሽማ ብምሽንሻንን ዘይኩነታታ ብምንፅብራቕን ነቲ እኩይ ድሌቶም ቦታ ከትሕዙ እንትፅዕሩ ንዕዘብ ኣለና። ንዓድና ሕማቕ ምስዝሓስቡ ግለሰባት፣ ቡድናት ይኹን መንግስትታት ብምፅንባር ናይ ጥፍኣት ወፍሪ የካይዱ ኣለዉ። ብዘረኝነት ስለዝሰኸሩ ነቲ ናይ ፀጋም መንገዲ ብምምራፅ እንትጓዓዙ ንግንዘብ ኣለና።

ካብ ወርሒ ሙቐት ኣይመፅእን፣ ካብ ተፃራፋይ ምኽሪ ኣይርከብን፣ ኣብ በዳሊ ፍትሓውነት ኣይዓስልን፣ ኣብ ምድረበዳ ዕንበባ ኣይቦቅልን።

እዞም ሰባት እዚኦም ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ዝሓስብ ዜጋ እንተሃልዩ ግርህነትን  ልውህናን ኣጥቅዒዎ’ሎ ማለት’ዩ።

ህላወ ኢትዮጵያ ኣንፃር ረብሓና እዩ ኢሎም ምስዝሓስቡ ባዕዳውያን ምሕዝነት ዝፈጥር ኢትዮጵያዊ ናይ ዓያሹ ዓሻ እዩ።

የካቲት 11 ቀን ፣ 2014 ዓመተ ምሕረት 

No comments: