EAR

አዲስ ነገር

Friday, 1 December 2017

ዲቦይቲ ዓይማሎ ! ሙራደ – ቃል ወምዕራገ ጸሎት ማርያም ዲቦ

ወረዳ አፅቢ ወንበርታ ዝተፈላለዩ ታሪካዊ፣ባህላውን ፣ተፈጥሮኣውን ሓድግታትዝወነነትእያ ፡፡ካብዚኣቶም ድማ ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሰርሑ አብያተ ክርስትያናትት ንኣብነት ሚካኤል እምባ፣ ሚካኤል ደብረ ሰላም፣ ጊዮርጊስ ዘሬማ፣ ሚካኤል ባርካ፣ ሚካኤል ቃጡን፣ ሚካኤል መረሮ፣ ማርያም ውቕሮ ደራ፣ ቂርቆስ ኣገዎን ካልኦትን እንትኾኑ ብመንደቕ ዝተነደቑ ጥንታውያን ገዳማት ድማ ገዳም አሲራ መቲራ፣ ማርያም ዲቦ፣ ስላሴ ጉንድፍሩ፣ስላሴ ኣፅቢን ካልአትን ይርከብዎም።

ኣፅቢ ወምበርታ ደኒ ዴስኣ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ዝተጎዝጎዛ ወረዳ ብምዃና ብሕታዊት ሰለስቲኡ ዓይነት መስሕብ ዘለዋ ወረዳ ክትከውን ይገብራ። ካብተን ብርክት ዝበላ መስሕባት ወረዳና ካብ ባሕሪ ማንካ መላለዪ ፅሑፍ ዝስዕብ ተዳሊዩ አሎ።
አብ ጣብያ ቃልኣሚን ቁሸት ሓይሎቦሐለ ዝርከብ እንትከውን ካብ ከተማ ኣፅቢ ንኣንፈት ምብራቕ ኣስታት 15 ኪ/ሜትር ርሒቃ ትርከብ ፡፡ ካብ ከተማ ኣፅቢ ናብ ማርያም ዲቦ ክትጓዓዝ ከለኻ ከምቲ ቅዱስ ዳዊት “ተፈሣሕኩ እስመ ይቤሉኒ ቤተ እግዚአብሔር ነሐውር″ (ናብ ቤተ እግዚአብሔር ንኺድ አብ ዝበሉኒ ግዜ ደስ በለኒ) ከምዝበሎ እናተሓጎስካን ደስ እናበለካን እዩ ዝኽየድ።
ንምንታይሲ እቲ ተረግፆ መንገዲ ለምለም ዝኮነ ሳዕሪ መሪሑ ናብ ጥቅጥቅ ዝበለ ዱር እንትወስደካ ንፁህ አየር እናተንፈስካ መዓዛ ቅዱሳን እናጫነካ ከምኡ እውን ኣዕፅምቲ ዘለምልም ናይ መላእኽቲ መዝሙር ካብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ክርስትያናት ዝመፁ ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበት እናሰማዕኻ እንትጓዓዝ ድኻምካ ኣረሲዖም ፍሉይ ታሕጓስ ብምፍጣር ናብቲ ገዳም ብወነን ብሓቦን ክትብፅሕ ዝረድኡ ምስሕባትናእዮም።
ገዳም ማርያም ዲቦ ዝርከበሉ በረኻ ዓይማሎ ይበሃል።ትርጉሙ ድማ ዔይሙ አሎ ማለት እዩ ።ነበርቲ እቲ ከባቢ ከም ዝገልፅዎ መድሃኔአለም አብቲ ቦታ ብአምበሳ አምሳል ዔይሙ ከም ዝተገለፀ ይዛረቡ።
ገባር እቲ ቤተ ክርስትያን ዝርከበሉ ከባቢ እውን ቦሐለ እንትበሃል ካብ ክልተ ቃላት ዓፋርኛ ማለት እውን ቡሖን ሌን ዝተወሰደ እንትከውን ክልተ ዓይነት ትርጉም አለዎ ።
ቡሖ ማለት ዕንፀይቲ እንትከውን ሌ ማለት ድማ ማይ ማለት እዩ ። ነበርቲ እቲ ካባቢ እውን ቡሖሌ እንትትርጉሙ ዓዲ ዕንፀይትን ማይን ኢሎም ይትርጉምዎ።ብሓፈሻ እንትርአ ገዳም ማርያም ዲቦን ከባቢኣን ምስ ጎረቤት ክልልና ክልል ዓፋር ትዋሰን ብምኳና ብርክት ዝበሉ ከባብታት ካብ ዓፋርኛ ዝተወሰደ ሽም አለዎም።
አመሰራርታ ገዳም ማርያም ዲቦ
ገዳም ማርያም ዲቦ ኣብ መበል 6ይ ክፍለ ዘበን ማለት እውን ብ515ዓ/ም ከምዝተሰርሐ ዓበይቲ ዓዲ ቦሐለ ይዛረቡ። ብ523ዓ/ም ብሃፀይ ካሌብ ገዳም ንምኳን ተሓሲቡ ብ 537ዓ/ም ብዘበነ ንግስነት ሃፀይ ገ/መስቀል ከም ዝተገደመ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ይገልፁ።
እዚ ገዳም ኣብ ጥቅጥቅ ዝበለ ዱር ዝተሃነፀሉ ዋና ምኽንያት መነኮሳት በዓቶም አፅኒዖም ካብ ዝርብሽ ነገር ብምርሓቕ ሕልናኦም ብምእካብ ብፆምን ፀሎትን ተወሲኖም ንምንባር ከም ዝኾነ እመሆይ ወለተ መድህን ሃይለስላሴ ይገልፃ ።እቲ ኻሊእ ምሽጢር ድማ ቅዱሳን ኣቦታት እምኒ ተተርኢሶም፣ ኣውሊ ልሒሶም፣ ናይ አራዊት ድምፂ ናይ አጋንንቲ ጎንፂ ተዓጊሶምን ጥረ ቆርጢሞምን እታ ተሰፈ ዝገብርዋ መንግስተ ሰማያት ንክወርሱ ክምዝኮነ እመሆይ ወለተ መድህን ይገልፃ።


ገዳም ማርያም ዲቦ ክትምስረት ከላ ከባቢ 600 መነኮሳት ከም ዝነበርዋን ከምኡ እውን ብጣዕሚ ዝበቅዑን ናይ ቅድስና ሂወቶም ባዕሉ መድሃኔ አለም ን 40 መዓልትን 40 ለይትን ምስኦም ክምዝተቐመጠ ብዙይ ምክንያት እውን እቲ ከባቢ ዓይማሎ ማለት እውን ዓይሙአሎ አሎም ከምዝሰመይዎ ነበርቲ እቲ ከባቢ ይገልፁ።ፅላት ማርያም ዲቦ ካብ አኽሱም ብህሩየ እግዚእ ዝተብሃለ ካህን ከም ዝመፀትን ብማርያም ድንግል መሪሕንት ናብ ዲቦ ከም ዘምፃአን ከምኡ እውን 12 ካህናት ብቅዱስ ሚካኤል ሓገዝ ካብ ጉንዳ ጉንዶ ብምምፃእ ንክትግልገል ብራእይ ንካህን ህሩየ እግዚእ ክም ዝተገለፀትሉን ክትግልገል ከም ዝገበረን መምህር አባ ሃይለስላሴ ገ/ መድህን ይዛረቡ።
አሰያይማ ገዳም ማርያም ዲቦ
ማርያም ዲቦ ዝብል ሽም ዝተውሃበሉ ምክንያት እቲ ቀንዲ ብስዓብቲ እምነት ኦርተዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ድንግልማርያም ልዕሊ ኩሉ ምዃና ንምግላፅ “ዲበ ኩሉ” ካብ ዝብል ቃል ዲበ ተፈልዩ ናብ ማርያም ተወሲኹ ማርያም ዲቦ ተባሂላ ክትፅዋዕ ክኢላ።ብሓፂሩ ዲበ ኩሉ ማለት ማንም ልዕሊ ቤተ ክርስትያን ከም ዘየለ ንምግላፅ እዩ።
እዚ ቤተ ክርስትያን እዙይ ብእምኒ መንደቅ ዝተሰርሐ እንትኸውን ኣብ ውሽጡ ብዙሓት ናይ ጥንቲ ሓድግታት ዝወነነ ቤተ ክርስትያን እዩ ፡፡ እዚ ቤተ ክርስትያን ጥንታውነቱ ንክሕደስ ተባሂሉ ምሉእ ብምሉእ ዝፈረሰ እንትከውን ንማዕፆ አይነኾን ንሞጉእ ንነዊት አይንኮን ንዐርፊ አሎም ዝጨርሑ ዝመስሉ ጭሓማት ፅሕድታትን አዋሊዕን ዓይማሎ መስከርቲ ጥንታውነቱ ብምዃን ነቲ ቤተ ክርስትያን ከሊሎም ብምሓዝ ግርማን ሞገስን ንክላበስ ገይሮምዎ እዮም፡፡ ኣብዚ ቤተ ክርስትያን ዝነብሩ መነኮሳት ለይቲ ብሰኣታት ቀትሪ ብፀሎተ ቅዳሴ ዝተወሰኑ እንትኮኑ ካብታ ዘላቶም ትርፊ ግዜ ብምጥቃም ‘ስራሕ ዝፈትሐ አእምሮ ናይ ሰይጣን ቤተ ፈተነ እዩ”ብምባል ኣብ ሕርሻ፣ ምርባሕ ከፍቲን አብ ሰራሕቲ ማእለማን ብምውፋር ወጊድ ድክነትን ልመናን ኢሎም ንአገልግሎት እታ ቤተ ክርስትያን እናውዓልዎ ይርከቡ ።
ስለዚ እዚ ጥንታዊ ገዳም ዘለውዎ ፀጋታት ንኢኮቱሪዝምን ሃይማኖታዊ ቱሪዝምን ረብሓ ንምውዓል ፍሰት ቱሪስት ደቂ ዓድን ወፃእን ዓመት ካብ ዓመት ዘይዛሪ ንምግባር ህዝብን መንግስትን ብምውዳድ እዞም ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ስራሕቱ ትኩረት ክወሃቦም ይግባእ።
እቲ ቤተክርስትያን፡ –
ናይ መንገዲ ፀገም
መዕረፊ አጋይሽ ፀገም
ናይ ሙዝየም ፀገም
ናይ ማይን መብራህትን ሕፅረት
ብርሰት አግራብ
ናይ ምልላይ ሕፅረት ሰለ ዘለዎ መንግሰታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ትኩረት ክህብዎ ይግባእ ፡፡
ሓድግታትና መግለፂ መንነትና!!!
ብቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝም ወረዳ አፅቢ ወምበርታ ዝተዳለወ!!!
ሕዳር 21/2010ዓ/ም

No comments: